Eritrea: ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

7 November 2020

ኣብ ዞባ ደቡብ ኣብ ዝርከብ መወሸቢ ማእከላት ሎሚ 7 ሕዳር ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 7 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ።

እዞም ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ሳምንታት ብፍኑው ካብ ኢትዮጵያ ዝተመልሱ ዜጋታት፡ 4 ኣብ መወሸቢ ማእከል ሰንዓፈ፡ 2 ኣብ መወሸቢ ማእከል እንዳገርግስ፡ ሓደ ድማ ኣብ መወሸቢ ማእከል ጸሮና ተዓቚቦም ዝጸንሑ'ዮም።

እዚ ከም'ዚ'ሉ እንከሎ፡ እቲ ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታላት ዞባታት ደቡብን ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪን ተዓቚቦም ሕክምናዊ ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 9 ዜጋታት፡ ሓውዮም ነናብ ቤቶም ተፋንዮም።

ንሳቶም ድማ፡ 8 ኣብ ሆስፒታላት ዞባ ደቡብ፡ ሓደ ድማ ኣብ ሆስፒታል ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ዝጸንሑ'ዮም።

በዚ መሰረት፡ ኣብ ኤርትራ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 491 በጺሑ'ሎ። 438 ካብ'ዚኦም ብዝተገብረሎም ሕክምናዊ ክንክን ሓውዮም ካብ ሆስፒታል ዝተፋነዉ ክኾኑ ከለዉ፡ 53 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ይርከቡ።

ሚኒስትሪ ጥዕና

7 ሕዳር 2020

More From: Shabait

Don't Miss

AllAfrica publishes around 800 reports a day from more than 130 news organizations and over 500 other institutions and individuals, representing a diversity of positions on every topic. We publish news and views ranging from vigorous opponents of governments to government publications and spokespersons. Publishers named above each report are responsible for their own content, which AllAfrica does not have the legal right to edit or correct.

Articles and commentaries that identify allAfrica.com as the publisher are produced or commissioned by AllAfrica. To address comments or complaints, please Contact us.